Home 🎬 Bollywood 🎵 Pakistani 🎤 English Pop

Diro

👤 Wedi Nazu • 🎼 Diro • ⏱️ 3:56
🎵 1786 characters
⏱️ 3:56 duration
🆔 ID: 9603668

📜 Lyrics

ቃል ኪዳን'ዶ ይበሊ ከም ክዳን
የጽድቕ ድዪ ኣማኒኻ ምጥላም
ጥዑም መልሓስ ኣጽዲቕኪ ብድሮ
መኒኽኒ ተቐይርኪ ድሮ
ድሮ ድሮ ፍቕረይ ድሮ
ንእምነትኪ መን ቀየሮ
ድሮ ድሮ ኣንቲ ድሮ
ንልብኺ መን ጠንበሮ

ምቃለይይይ ዘይእመን ኮይንኒ
ሃዲሙኒ ሰላም
ጎዲሉ ኢልክስ ብጥልመት ክሳቐ
ደርቢኽኒ ኣብ ጸላም
መን'ዶ ኣለኒ እዪ ኣብ ምድሪ ስደት
ንስኺ እንድኺ ናተይ ዝብለኪ ጎረቤት
ከይ ኣበስኩ'ዶ ትብልኒ ወሻላህ
ኣይትጨክኒ ዓገብ ፍቅረይ ወለላ
ከምዘይ መሓኪ ብድሮ ምስ ገደፍክኒ
ሓሚቐ ድሮሮሮሮ

ንዓኺ ኣሚነ እንድየ
ካብ ኩሉ ተነጺለ ኣለኽኒ ኢለለለ
ሕጂ'ውን ኣቀብጸክን ትጭክኒ ኣይብልን
ከመይ ክከውን
ስክትት ኣቢልክኒ ኣብዘይምሕር ፍቅሪ
ኣይትሰወሪ
ይጽበየኪ ኣለኹ ልበይ ናጠበርኩ
መጸት እናልኩ
ድሮ በይነይ ጸሊአ መንብሮ

ተመለስኒ'ባ ድራር ዓይነይ
ሂወተይ ኣይኩሎን ኮይነ በይነይ
ካባይ ዝሃደምኪ'ታየ ጌረ
ታኣቢሰ ክሓተኪ ይቕረ

ንዒ ፍቕረይ ኣይትጨክኒ
ካብ ሕልምልም ኣድሕንኒ
እንድዕለይ ፍቕረይ ድሮ
ኣጽሊእኒ'ዚ ዝመንብሮ

ተመለስኒ'ባ ድራር ዓይነይ
ሂወተይ ኣይኩሎን ኮይነ በይነይ
ካባይ ዝሃደምኪ'ታየ ጌረ
ታኣቢሰ ክሓተኪ ይቕረ

ንዒ ፍቕረይ ኣይትጨክኒ
ካብ ሕልምልም ኣድሕንኒ
እንድዕለይ ፍቕረይ ድሮ
ኣጽሊእኒ'ዚ ዝመንብሮ

⭐ Rate These Lyrics

☆☆☆☆☆
Average: 0.0/5 • 0 ratings